ብመጅመርያ ሕጊ ኣገዳስነቱ ደቂ ሰባት ብሓባር ክነብሩን ኣብቲ ዘቁምዎ ማሕበርን ኣብቲ ዝነብርዎ ሃገር ናይ ኣተሓሳስባን ድሌትን ስምዒትን ናይ ነፍስ ወከፍ ሰብ ዝተፈላለየ ብምኳኑ ኣብ መንጎና ፍቅሪን ስኒትን ምትሕግጋዝን ምርድዳእን ንክሰፍንን ኣብቲ ንነብረሉ ዘለና ሃገር ንሕናን ውላድናን ባህልናን ልምድናን ከይንርስዕን ሕድሕድ ክንተሓጋገዝን ብዝብል ኢዩ እዚ ማሕበር ደቂ ኣስመራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማሕበር ክንምስርት ዝተበገስና ናይ ማሕበርና ኣድራሻ ድማ ኣብ ዊኒፐግ ካናዳ ይርከብ ንግዜኡ ብውሑዳት ሰባትን ብድሩት ዓቅምን ኢዩ ተመስሪቱ ዘሎ ምስ ግዜ ግን ብብዝሒ ኣባላትን ዓቅሚ ፋይናንስን ምስ ደንፈዔ ሕጋዊ ሰነድ ዘለዎ ብመንግስቲ ካናዳ ዝተፈልጠ ዓቢ ማሕበር ማለት ኮሚኒቲ ክኸዉንን ክዓቢ ናይ ኩልና ዘይሕለል ጻዕሪ ከድልየና ኢዩ። እቲ ዕላማ መበገሲ ምትሕግጋዝ እኮ እንተኮነ ንሰብ ግን ገንዘብ ጥራይ ኣይኮነን ዘድልዮ ፍቅርን ምሕብሓብን ኣብ ጎኑ ምኳንን ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዚ ማሕበር ክምስረት ተደልዩ። ምክንያቱ ካብቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ንላዕሊ ኣብ ዘየድሊ ተግባራት ወይ ወልፍታት ዝዋፈሩ ካብ ሕብረተሰቦም ተገሊሎም ዘለዉ መንእሰያት ኣለሊካ ብማዕዳን ምክርን ካብ ዘለዎም ወልፍታት ከም ዝእለዩን ናብ ንቡር ናብራኦም ተመሊሶም ናብ ሕብረተሰቦም ከም ዝጽንበሩ ምግባር ቀንዲ ዕማም ማሕበር ኢዩ። ኣብ ከምዝታት ወልፍታትን ጸገማትን ከይተበጽሓ ኮሎ ድማ ኮሎ ገና ንወልዶም ደ...