Responsive Ad Area
Home » Archives for August 2015

Month: August 2015

ማሕበር ደቂ ኣስመራ ደንቢ ተቀማጦ ዊኒፐ

ብመጅመርያ ሕጊ ኣገዳስነቱ ደቂ ሰባት ብሓባር ክነብሩን ኣብቲ ዘቁምዎ ማሕበርን ኣብቲ ዝነብርዎ ሃገር ናይ ኣተሓሳስባን ድሌትን ስምዒትን ናይ ነፍስ ወከፍ ሰብ ዝተፈላለየ ብምኳኑ ኣብ መንጎና ፍቅሪን ስኒትን ምትሕግጋዝን ምርድዳእን ንክሰፍንን ኣብቲ ንነብረሉ ዘለና ሃገር ንሕናን ውላድናን ባህልናን ልምድናን ከይንርስዕን ሕድሕድ ክንተሓጋገዝን ብዝብል ኢዩ እዚ ማሕበር ደቂ ኣስመራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማሕበር ክንምስርት ዝተበገስና ናይ ማሕበርና ኣድራሻ ድማ ኣብ ዊኒፐግ ካናዳ ይርከብ ንግዜኡ ብውሑዳት ሰባትን ብድሩት ዓቅምን ኢዩ ተመስሪቱ ዘሎ ምስ ግዜ ግን ብብዝሒ ኣባላትን ዓቅሚ ፋይናንስን ምስ ደንፈዔ ሕጋዊ ሰነድ ዘለዎ ብመንግስቲ ካናዳ ዝተፈልጠ ዓቢ ማሕበር ማለት ኮሚኒቲ ክኸዉንን ክዓቢ ናይ ኩልና ዘይሕለል ጻዕሪ ከድልየና ኢዩ። እቲ ዕላማ መበገሲ ምትሕግጋዝ እኮ እንተኮነ ንሰብ ግን ገንዘብ ጥራይ ኣይኮነን ዘድልዮ ፍቅርን ምሕብሓብን ኣብ ጎኑ ምኳንን ኣገዳሲ ስለዝኮነ እዚ ማሕበር ክምስረት ተደልዩ። ምክንያቱ ካብቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ንላዕሊ ኣብ ዘየድሊ ተግባራት ወይ ወልፍታት ዝዋፈሩ ካብ ሕብረተሰቦም ተገሊሎም ዘለዉ መንእሰያት ኣለሊካ ብማዕዳን ምክርን ካብ ዘለዎም ወልፍታት ከም ዝእለዩን ናብ ንቡር ናብራኦም ተመሊሶም ናብ ሕብረተሰቦም ከም ዝጽንበሩ ምግባር ቀንዲ ዕማም ማሕበር ኢዩ። ኣብ ከምዝታት ወልፍታትን ጸገማትን ከይተበጽሓ ኮሎ ድማ ኮሎ ገና ንወልዶም ደ...